Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሉሳዊ ልዝብ ግድብ ህዳሴ ብዘይፍረ ተበቲኑ


ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ራብዓይ ዙር ሱሉሳዊ ልዝብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዘይ ፍረ ምዝዛሙ ግብጽን ኢትዮጵያን በብወገነን ኣፍሊጠን።

ክልቲኣተን ሃገራት ንዘይምዕዋት እቲ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ልዝብ ንሓድሕደን ይካሰሳ።

ሚንስተር ማይን መስኖን ግብጺ እቲ ልዝብ ዘይተዓወተ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ማእኸላይ ስምምዕ ብምንጻጋ እዩ ክብሉ ከለዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ልዝብ ዘይተዓወተ ግብጺ ሕድገት ከይትገበር መሰናኽል ብምቅማጣ እዩ ክብል ከሲሱ'ሎ።

እተን ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ኣብ 2011 ዝጀመረን 4 ቢልዮን ዶላር ዝወጻኢኡ ግድብ ህዳሴ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ንዓመታት ክፍትና ጸኒሐን እየን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG