Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ -- ኢትዮጵያ ልቓሕ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንምርካብ እንታይ ይዕንቅጻ?


ትንታነ -- ኢትዮጵያ ልቓሕ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንምርካብ እንታይ ይዕንቅጻ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:15 0:00

ትንታነ -- ኢትዮጵያ ልቓሕ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንምርካብ እንታይ ይዕንቅጻ?

ኣብ መንጎ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)ን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘይ ፍረ ምዝዛሙ፡ ምናልባት ኢትዮጵያ ንመጠን ክብሪ ባጤራኣ ከተጉድሎ ክትግደድ’ያ ይብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ።

እታ ብቍጠባዊ ዝቕባበ እትሳቐ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ካብ 2020 ኣትሒዛ ዝዀነ ናይ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ሓገዝ ልቓሕ ኣይረኸበትን። ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ተጻብኦታት ምስ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ህወሓት ግን ፈደራላዊ መንግስቲ እቲ ዝጽበዮ ሓገዝ ክረክብ ተስፋ ኣንቢሩ ነይሩ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ጉጅለ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ትስፉው ዝርርብ ምክያዱ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ እቲ ኢትዮጵያ ዝሓተተቶ 3.5 ቢልዮን ዶላር ኣይረኸበቶን። በቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝወሃብ ልቓሕ ድማ ምስ ምትዕርራይ ዕዳጋን ብዕዳጋ ዝኸይድ መጠን ሸርፊን ዝሓትት’ዩ።

ከም ሳዕቤን እቲ ተሪር ናይ ወጻኢ ሸርፊ መጠን ቍጽጽርን ስእነት ባጤራ ወጻኢን፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ባንክን ዘሎ ናይ ሸርፊ ፍልልይ ኣዝዩ ዓቢ’ዩ። እቲ ወግዓዊ መጠን ሸርፊ ንሓንቲ ዶላር ብ56.7 ብር ደኣ ይዅን እምበር፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግን ካብ 117 ክሳብ 120 ብር ንሓደ ዶላር ዝኸይድ ሸርፊ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ ክኢላ ቍጠባ ዝዀነ ዓብዱልመናን መሓመድ፡ “መራሕቲ ኢትዮጵያ ንቕድመ-ኩነት ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝተቐበሉዎ ይመስሉ፡” ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ። ከም ኣገላልጻ ዓብደልመናን እቲ ቀንዲ ስክፍታ መንግስቲ፡ መጠን ብር ኣዝዩ ምስ ዘሕስሮ ከቢድ ዝቕባበ ክወርዶ ስለ ዝኽእል’ዩ።

ከም ሓበሬታ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ 28.2 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ኣለዋ። ካብኡ እቲ ፍርቁ ካብ ቻይና ምዃኑ ይሕበር።

ብዘይካ እታ እፎይታ ዕዳ ዝሃበት ቻይና፡ ብጉጅለ ፓሪስ ዝፍለጥ ኣለቃሕቲ፡ እቲ ዝሀብኦ ገደብ ግዜ 31 መጋቢት ድሕሪ ምብቃዑ፡ ሕጂ ን30 ሰነ ኣናዊሐንኦ ኣለዋ። ክሳብ ሽዑ ኢትዮጵያ ነቲ ዝድለ ምትዕርራይ ገይራ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ልቓሕ ክትቅበል ትጽቢት ይገበር።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ንኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ መጠን ብር ከተጕድሎ ከም ዘለዋ ዝወሃብ ግምታት ይፈላለ’ዩ። ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ ኢርምጋርድ ኢራስመስ ዝተብሃለ ጉጅለ መጽናዕቲ ብ15% መጠኑ ከተጕድሎ ከም ዝተሓተት ይገልጽ። ካልኦት ግን ካብ 30-50% መጠን ምጉዳል ዋጋ ምዃኑ’ዮም ዝምጉቱ። ንኣብነት ግብጺ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዓቢ ልቓሕ ንምሕታት 38% ክብሪ ባጤራኣ ከም ዘጉደለት ድማ ብኣብነት ይገልጹ።

ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንዝያዳ መብርሂ ተሓቲቱ ዘይመለሰ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ግን ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ግዜ እቲ እትደልዮ መጠን ክትረክብ ምዃና ኣመልኪቱ ኣሎ። እዚ ምስ ዝኸውን ድማ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝሓቶ ቅድመ-ኩነት ትሰማማዕ ምህላዋ ዘመልክት ይብል ሮይተርስ።

ሮይተርስ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀንዖን። ምኽታል ሚኒስተር ፋይናንስ ዝዀነ ኢዮብ ተካለኝ ግን ኣብ ጥቅምቲ 2022 “ብናጻ ዕዳጋ ተገዚእና መጠን ሸርፊ ከነመዓራሪ ቀዳምነትና’ዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ግን ቀስ ኢልና ንስርሕ ኣሎና፡” ኢሉ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG