Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ተዓዛቢ ሕብረት ኣፍሪካ ንምርጫ ኢትዮጵያ ህዱእ፣ሰላማውን እሙንን ኢሉዎ


Hifikepunye Pohamba
Hifikepunye Pohamba

ንሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተዓዘበ እንኮ ተዓዛቢ ጉጅለ ወፃኢ ሕብረት ኣፍሪካ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ምርጫ ህዱእ፣ሰላማውን እሙንን ነይሩ ኢሉዎ።ተቓወምቲ ገዛኢ ፓርቲ ዘይምዕሩይ ሃውህው ምርጫ ብምፍጣርን ብምንቃፍ ብምንክላብትን ብምፍርራህን ንነዊሕ እዋን ክኸሱዎ ፀኒሖም ኣለው።

ህዱእ፣ሰለማውን እሙንን፤እዞም ሰለስተ ቃላት ልኡኽ ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪካ ንከይዲ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተጠቐመሎም ቅፅላት እዮም።ኣብ ስልጣን ነዊሕ ዝፀንሐ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ብሰፊሑ ክስዕር ትፅቢት ይግበር።

‘’ነፃን ሚዛናውን’’ ዝብላ ክልተ ኣገደስቲ ቃላት ግን ኣብ ገምጋም እንኮ ናይ ወፃኢ ተዓዛቢ ጉጅለ ኣይተጠቕሳን።ሕብረት ኣፍሪካ 59 ኣባላት ተዓዘብቲ ብምውፋር ብዘይካ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ኣብ 356 ናይ ምርጫ ጣቢያታት ተዋፊሩ ከምዝተዓዘበ ሓቢሩሎ።

መራሒ እቲ ልኡኽ ናይ ናሚቢያ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሄፊከፒኒ ፖሃምባ ‘’ልኡኽ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ፓርላመንታዊ መረፃ ዝተረጋግአ፣ ሰላማውን ተኣማኒን ምዃኑ ደምዲሙሎ።ህዝቢ ኢትዮጵያ ምርጭኦም ክገልፁ ዕድል ዝሃበ መረፃ እዩ’’ኢሎም።

ፖሃምባ ኣብ ዝሃብዎ ነዊሕ መባእታዊ ገምጋም ዝተሓዋወሰ መልእኽቲ ሒዙሎ።እቲ ልኡኽ ኣብቲ ምርጫ ዓብዪ ህውከት ወይ ፀገማት ኣይሰማዕናን ይብል።ንተክኒካዊ ብቕዓት ቦርድ ምርጫ ዝነኣደ እቲ ፀብፃብ ይኹን እምበር ኢሎም ፓሃምባ ደገፍቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ውሽጢ ናይ ምርጫ ጣቢያ ኮይኖም ንመረፅቲ ብቕሉዕ ወፍሪ እናካየዱ፣ኣብ ገለ ጣቢያታት ምርጫ ድማ እቲ ምርጫ ክጅመር እዩ ቅድሚ ዝተብሃለሉ ናይ ንግሆ ስዓት 12 ከምዝተኸፍቱ ገሊፆም።

መረፅቲ ናይ ምምራፅ መሰሎም ተጠቒሞም ባህጎምን ድልየቶም ምርኣዮም ዘተባብዕ እንተኾነ ናይ ምርጫ ጣቢያታት ኣቐዲምካ ምኽፋት ግን ኩሎም መረፅቲ ኣብ ተመሳሳሊ ስዓት ክጅምሩ ከምዘለዎም ንዝእዝዝ ናይ ማዕርነት መትከል ኣብ ዘጠራጥር ኩነትታ ዘእቲ እዩ ኢሎም።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብዞም ዝቕፅሉ ሒደት ማዕልታት ግዚያዊ ውፅኢት ከምዘፍልጥን ናይ መወዳእታ ውፅኢት ክኣ 22 ሰነ 2015 / ዕላዊ ከምዝገብርን ገሊፁሎ።ተዓዝቢ ምርጫ ሕብረት ኣፍሪካ ብወገኑ ናይ መወዳእታ ፀብፃቡ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዕላዊ ውፅኢት ምስ ኣወጀ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ከምዘውፅእ ተፈሊጡሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:24 0:00

XS
SM
MD
LG