Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ምዝዛሙ ትገልጽ


ኢትዮጵያ ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ትማሊ ሰንበት 10 መስከረም 2023 ምዝዛሙ ኣፍሊጣ። እዚ ምምላእ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ምንጪ ምስሕሓብ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

ኢትዮጵያ ነዚ ተፍልጥ ዘላ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ንነዊሕ ግዜ ደው ኢለ ዝፀንሐ ልዝብ ድሕሪ ምቅጻሉ ክልተ ሰሙን እዩ። ግብፅን ሱዳንን እቲ ብ4.2 ቢሊዮን ዶላር ይህነፅ ዘሎ ግዙፍ ሓጽቢ ይረኽብኦ ዝነበራ ብፅሒት ማየን ዝጎድል እዩ ዝብል ስግኣት ከመይ ከምዝሰርሕ ኣብ ስምምዕ ቅድሚ ምብፅሐን ምምላእ ደው ክብል ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያ ክሓታ ፀኒሐን እየን።

"ራብዓይን ናይ መወዳእታን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ እተዛዘመ ምዃኑ ክእውጅ ከለኹ ብዝለዓለ ታሕጓስ እዩ’’ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ክብል ትዊተር ዝጽዋዕ ዝነበረ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዘስፈርዎ መልእኽቲ ሓቢሮም።

ንሶም ኣብ መልእኽቶም "ብዙሕ ብድሆ ነይሩና። ንድሕሪት ዝተጎተተናሉ ብዙሕ ግዜ ነይሩ። ናይ ውሽጥን ወፃእን ፀቕጢ ነይሮምና። ምስ ኣምላኽ ኣብዚ ደረጃ በፂሕና ኣለና’’ ኢሎም ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ኢትዮጵያ ዓብይ ግድብ ምምልኣ 'ዘይሕጋዊ' እዩ ክትብል ግብጺ ቅሬታኣ ኣስሚዓ'ላ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ነቲ ግድብ ንምምላእ ብኣዲስ ኣበባ ዝተወሰደ በይናዊ ስጉምቲ ነቲ ምስ ግብፅን ሱዳንን ይካየድ ዝነበረ ልዝብ ከቢድ ዝገብር'ዩ ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG