Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ ንስርዓት ምቕባል ስደተኛታት ዘመሓይሽ ውሳነ ኣሕሊፉ


▶ሕብረት ኣውሮጳ ንስርዓት ምቕባል ስደተኛታት ዘመሓይሽ ውሳነ ኣሕሊፉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

▶ሕብረት ኣውሮጳ ንስርዓት ምቕባል ስደተኛታት ዘመሓይሽ ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ስሩዕ ዘይኮነ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝንኪ እዩ ዝበልዎ ስርዓት ምቕባል ስደተኛታት ዘመሓይሽ ውሳነ ትማሊ ረቡዕ ኣሕሊፉ።

ዕላማ ናይቲ ውሳነ ኣብ ዶባት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝካየድ ናይ ድሕንነትን ዑቑባን ኣሰራርሓ ንምሕፃር ፣ ከምኡ'ውን ካብ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመፁ ስደተኛታት ቁጽሪ ንምጉዳል ዝዓለመ ብምዃኑ ዝለዓለ ኣጀንዳ ናይቲ ደንበ እዩ።

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ምስሕሓብ ኣብ መንጎ 27 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ ደንበ ዝወፀ ንድፊ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ብብዝሒ ዝኣትውለን ከም ኢጣልያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘለወን ግዴታን ስደተኛታት ክኸዱለን ዝደልዩወን ከም ጀርመን ዝኣመሰላ ሃብታም ሃገራትን ዘለወን ተኣፋፊ ሚዛናዊ ኣረኣእያን ክሕዝ ዝገበረ እዩ።

እዚ ብዩሮሰፕቲክን የማናይ ፅንፈኛታትን ዝኣመሰሉ ፀረ ስደተኛታት ስደት ጠጠው ንምባል እኹል ኣይተሰርሐን ብዝብል ብትሪ ተነቒፉ ኣሎ።

ፀጋማይን የማናይን ተጣበቕቲ ግን ንሰብኣዊ መሰላት ዓብዪ ውቅዒት እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG