Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝቐነየ ስሉሳዊ ዘተ ግድብ ህዳሴ ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ


ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ ዳሕረዋይ ዘተ
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ ዳሕረዋይ ዘተ

ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ ዳሕረዋይ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ተበቲኑ። ኢትዮጵያ ነቲ ልዝብ ንምቕፃል ሕጂ'ውን ድልውነታ ትገልጽ ኣላ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ግብፅን ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝፀንሐ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ትማሊ ሰንበት 24 መስከረም 2023 ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ።

ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ዘተ ዝመርሑ ኣቶ ስለሺ በቀለ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሃነፅቲ ሓሳባት ምልውዋጠን ድሕሪ ምግላፅ ሃገሮም ሐጂ’ውን ነቲ ዘተ ንምቕፃል ድልውቲ ምዃና ሓቢሮም።

ሚኒስትሪ ማይ ግብፂ ግን ኣዲስ ኣበባ “ንዝኾነ ስምምዓት እያ ትቃወም ” ክትብል እቲ ዘተ ብዘይምስማሩ ንኢትዮጵያ ይወቅሱ። ደሕንነት ማይ ግብፅን ሃገራዊ ረብሓታትን ንምውሓስ ድማ ስምምዓት ወሳኒ ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ኣብ 2011 ህንፀቱ ዝጀመረ 4.6 ቢልየን ዶላር ዝዋግኡ ፕሮጀክት ብዝምልከት ንዓመታት ልዝባት ክካየዱ ፀኒሖም እዮም። እዚ ልዕሊ 6,000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከፍሪ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓጽቢ ምንጪ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ካብቲ ዘለዎ ብዕፅፊ ክውስኽን ፅሩይ ሓይሊ ፀዓት ንሰደድ ከፍርይን ዘኽእል ምዃኑ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ንልምዓት'ታ ሃገር ኣገዳሲ ምዃኑ ክትገጽ ከላ ግብፂ ግን ካብታ 100- ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ክበፅሓ ዝኽእል ማይ ንኸይድረት ስግኣታ ትገልፅ።

85% ናይቲ ፈለግ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝብገስ እዃ እንተኾነ ግብፂ በቲ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝመፀ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ ስምምዕ እቲ ዝዓበየ ብፅሒት ማይ ሒዛ ፀኒሓ እያ። ይኹን’ምበር ኣብ ታሕተዎት ተፋሰስ እትርከብ ሱዳን’ውን እንተኾነት ኣብ እዋን ደርቂ ኢትዮጵያ ክትፍንዎ እትኽእል ማይ ንምቁፅፃር ዝጥዕም ስምምዕ ክግበር ትደሊ እያ።

ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ምቁራፅ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከም ሓድሽ ዝጀመረ ስሉሳዊ ዘተ እዘን ሃገራት ስጋብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ስምምዕ ክበፅሓ ተስፋ ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢተዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ምምላእ ማይ እቲ ሓጽቢ ከምዝተዛዘመ ገሊፆም ነይሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳመህ ሹክሪ ብቐዳም ኣብቲ ዝተዛዘመ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሃገሮም ድሮ ሕፅረት ማይ ኣጋጢምዋ ከምዘሎን እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንጎረባብታ ተጠቀምቲ ፈለግ ኒል ሃገራት ከየማኸረት ህንፀት እቲ ግድብ ምጅማራ ዘስዓቦ ምዃኑ ነቒፎም። ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ብወገኖም እቲ ሓጽቢ ሕጋዊ ልምዓታዊ ባህግታት ኢትዮጵያውያን ዝውክል ምዃኑ ብምግላፅን ዞባዊ ውህደትን ምዕባለን’ውን ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊፆም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ወሲኹ ስኽፍታት ግብፅን ሱዳንን ሕጋዊ’ዃ እንተኾነ ኢትዮጵያ’ውን ግን መሰላታ ክትሕልው ግድን ምዃኑ ሎሚ ሶኑይ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG