Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጎግል ምስ እስራኤል ዝተበጽሐ ኮንትራት ዝተቃወሙ 28 ሰራሕተኛታት ሰጒጉ


ጎግል ኣብ ቓዛ ኲናት እናሃለወ ንመንግስቲ እስራኤል ቴክኖሎጂ የቕርብ ኣሎ ብምባል ተቃውሞ ንዘስምዑ 28 ሰራሕተኛታቱ ሰጒጉ።

ጎግል ንምስጓግ እቶም ሰራሕተኛታት ኣረጋጊጹ'ሎ።

ምንጪ ናይቲ ተቓውሞ ጉግልን ኣማዞንን ንመንግስቲ እስራኤል ኣገልግሎታት ሰብ-ስርሖ ብልሒንን ካልኦትን ክህባ ኣብ 2021 ናይ 1.2 ቢሊዮን ዶላር ‘’ፕሮጀክት ኒምቡስ’’ ኮንትራት ምፍራመን እዩ ።

እጉግል ግን ኒምቡስ ከም ኣፅዋር ወይ ንምእካብ ስለያ ኣይውዕልን ኢሉ።

ጉግል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቲ ስጉምቲ ምብራር 28 ሰራሕተኛታት ንገሊኦም ሰራሕተኛታት ስርሖም ከይፍፅሙ ዘስግእ ሃዋህው ብምፍጣር ስርሖም ከይሰርሑ ዝገብር ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠባይ ብምርኣዮም እዩ ኢሉ።

ኖ ቴክ ፎር ኣፕራታይድ ኣብ ዘውፅኦ ብሎግ ግን ጉግል ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ፅሕፈት ዝነበረ ‘’ሰላማዊ ኮፍታ’’ ኢሉ ዝገለፆን ኣብቲ ተቓውሞ ካብ ዘይተሳተፉ ሰራሕተኛታት ብዙሕ ደገፍ ዝረኸበን ፍፃመ ይሕስው እዩ ዘሎ ክብል ከሲሱ።

‘’እዚ ውፁእ ሕነ ምፍዳይ እዚ ጉግል ልዕሊ ንሰራሕተኛታቱ ምኽባር ነቲ ብጃምላ ዝቐትል መንግስቲ እስራኤል ዝፈረሞ ናይ1.2ቢሊዮንል ዶላር ኮንትራት ከምዘኽብር ዘርኢ ንፁር ምልክት እዩ" ኢሉ።

ሰራሕተኛታት ጉግል እቲ ኩባኒያ ኣብ ዝፍፅሞም ውዕላት በብእዋኑ ተቓውሞታት የልዕሉ። ሰብ-ስርሖብልሒ ዘማዕበለሉ ኣገባባት ድማ ስነ ምግባራዊ ጉድለት ኣለዎ ክብሉ እቶም ሰራሕተኛታት ሻቐለቶም ይግለፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG