Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወደብ በርበራ -- ክልተ ጫፋት ብልሒ


ወደብ በርበራ -- ክልተ ጫፋት ብልሒ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:00 0:00

ወደብ በርበራ -- ክልተ ጫፋት ብልሒ

ዝሓለፈ ባሕቲ ጥሪ 2024 ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ኣብቲ ጉዳይ እጀታ ዘለዎም ኣካላትን ኣብ ሓድሽ ተስፋ፡ ምትፍናንን፡ ዳግመ-ስርርዕ በበይኖም ሓይልታትን ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብዚ መስርዕ ዝደሓረት ድምጻ ዝሓወሰት ቻይና ሓዊስካ፡ ዓበይቲ ሃገራት ከም ኣመሪካ፡ እንግሊዝን፣ ከምኡ’ውን ዞባውያንን ዓለማውያንን ውድባት፡ ሶማል ዘለዋ መሰል ግዝኣታዊ ሓድነት ክኸበር ጸዊዖም ኣለዉ።

መሪሕነት በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ ተረኪቡ ዘሎ ፕረዚደንት ጁቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፡ ንዝመጽእ ሓሙስ 18 ጥሪ፡ እቲ ውድብ ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ ንጉዳይ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣመልኪቱ ክዝቲ ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። ኣብቲ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሳቪነ ዝመርሖ ርክብ፡ ኣባላት ሃገራት እቲ ዞባዊ ውድብ፡ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ክርከቡ ትጽቢት ይገበር።

ኣብቲ ዞባ፡ ብቐንዱ ድማ ምስ ኤርትራ ንኣስታት 48 ዓመታት ዝኸይድ ምትእስሳር ዘለዎን ጋዜጠኛን ጸሓፊን ዳን ኮነል ግን እቲ መዘከር ኣብ ሓጺር እዋን ክትግበር ከምዘይኰነ’ዩ ዝኣምን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብቲ ምምሕዳሩ ኣትዩዎ ዘሎ ቍጠባዊ ዓዘቕቲን ዘይዓርፍ ግርጭታትን ኣቓልቦ መጠምዘዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ይምጉት። እንተዀነ፡ ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ እቲ ዝህሉዎ ሳዕቤንን ዝገድፎ በሰላን ቀሊል ዘይምዃኑ ኣይጠራጠርን።

ኣብ ወርሓት ሚያዝያን ሕዳርን ናይዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝበጽሐ ዳን፡ ምስ ምቍራጽ ሓገዛትን ብሰንኪ ኲናት ዝተጋደደ ደርቂን ተደማሚሩ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላውን ጥሜትን ምዕዛቡ ኣካፊሉ። እቲ ዘሎ ደርቂ ግን ብተናጸል ዝርአ ዘይኰነስ ኣካል’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዘሎ ስእነት ምርግጋእን ምትእትታው ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራትን ምዃኑ ይምጉት። ኣብቲ ናይ 1980ታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተራእየ ሕሱም ደርቂ ብኣካል ዝነበረ ዳን ኮነል፡ ሕጂ’ውን ናብኡ ከየምርሕ ዘለዎ ስግኣት ኣካፊሉ ኣሎ።

መጀመርያ ግን ብዛዕባ’ቲ ዝተፈረመ መዘከር ስምምዕ ትዕዝብቱ ከካፍል ዝተሓተተ ዳን ኮነል ከምዚ ይብል፤ “ኣቢይ ኣብ ብልሒ መላጻ ዝተቐመጠ መሲሉ ይስመዓኒ። ንመሰል ኣፍደገ ባሕሪ’ዩ ዝውጥን ዘሎ። እዚ ብዙሓት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ከም ስዊዘርላንድን ካልኦት ናይ ኤውሮጳ፡ ኤስያ፡ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ሃገራት ዘሎ ክውንነት’ዩ። ግድነታዊ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ዝብሃል ነገር የሎን። እንተልዩ ብምርድዳእ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ፈለማ ብወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ’ዩ ጀሚሩ። ንብዙሕ ኣካል፡ እንኮላይ ንኤርትራ ድማ ኣብ ተጠንቀቕን ምድላውን የእትዩ። ጸኒሑ ከኣ ናብ ሶማሊላንድ ግዒዙ። እዚ ወደብ በርበራ ኣብ እዋን ሲያስ ባረ፡ ሩስያ እትጥቀመሉ ወደብ’ዩ ነይሩ። ሕጂ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ የብል ኣሎ።”

“እቲ መዘከር ስምምዕ ቀሪቡ ንዝፈተሾ፡ ኢትዮጵያ ንናይ ሶማሊላንድ ሕቶ ልኡላውነት ክትምርምሮ ምዃና እምበር፡ ቀጥታዊ ኣፍልጦ ክትህብ ከም ዘይኰነት” ብምባል ዳን የዘኻኽር። በዚ ኰይኑ በቲ ግን እቲ ጉዳይ ሓድሽ ርክብን ሽርክነትን ክፈጥር ምዃኑ ይኣምን። ድሮ’ውን ብመገሻታት መራሕቲ ሃገራት ይርአ ከም ዘሎ ድማ ይዛረብ።

በዚ ኢሉ በቲ ግን እቲ ስምምዕ መዘከር ሓድሽ ዞባውያን ርክባትን ኣወዳድባታትን ፈጢሩ ኣሎ። ሰሉስን ረቡዕን ንፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸሕ መሓሙድ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ዘዘራረበ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ሓሙስ ድማ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳምርይ ሹክሪ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ`ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ መራኸቢታት መንግስቲ ኤርትራ፡ ሳምርይ ሹክሪ ፡ዕድመ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከብጽሕ’ዩ መጺኡ። ግብጺ ተመሳሳሊ ዕድመ ናብ ሶማል ምልኣኻ መራኸቢታት ሶማል ይጠቕሱ`ለዉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ግብጺ ከይዶም ቀኒዖም ምስ መዘናኦም ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ዝስዕብ ሕቶ ግን መቓን ግዜን ትግባረን ናይዚ ተፈሪሙ ዘሎ መዘከር ስምምዕ’ዩ። ዳን ኮነል ብዛዕባኡ ከብርህ እንከሎ፤ “ቀሊል ኣይመስለንን። ሶማልን ካልእ ማሕበረሰብ ዓለምን ነጺገንኦ’የን። ኢትዮጵያ ካብ ዝዀነ ናይ ደገ ወገን ነቲ መዘከር ስምምዕ ከተተግብሮ ድጋፍ ክትረክብ ከቢድ’ዩ። ምናልባት ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ኢሉ ዝገበሮ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኢትዮጵያ ገጢሙዋ ዘሎ ዝቕባበን ቍጠባዊ ቅልውላውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ’ዩ ዝብእስ ዘሎ። እዚ እምበኣር፡ ንሓያሎ ኢትዮጵያውያን ናይ ምጥምዛዝ ተኽእሎ ኣለዎ። ነታ ሃገር ናብ ካልእ ኲናት ናይ ምእታው ዕድል ድማ ማዕረኡ፡” ይብል።

እቲ ስምምዕ ኣብቲ ዞባ ኲናት ንክውልዕ ዘለዎ ተኽእሎ ከመይ ከም ዝግምግም ዝተሓተተ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛን ጸሓፊን ዳን ኮነል፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብቐረባ ዝረኣዮ ክውንነት ክልል ትግራይ ኣቢሉ’ዩ መልሲ ሂቡ። ብዂናት ዝሰንበሩ መንእሰያት ትግራይ፡ ብዝዀነ መልክዕ ክሳተፉ ድሌት ከም ዘይብሎም ብቐረባ ተዓዚቡ’ሎ። እቲ ክልል ናብ ኲናት ክኣቱ እንተተገዲዱ ኣብ መጻብቦ ክኣትዉ’ዮም ዝበለ ዳን፡ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ዘሎ ምትፍናን ጸግዒ ክሕዝ ከም ዘይደሊ ይኣምን።

ከም ኣረዳድኣ ዳን ኮነል፡ ሶማሊላንድ፡ ኣብቲ ከባቢ ጽልዋአን ከግፍሓ ምስ ዝደልያ ዞባውያንን ዓለማውያንን ሓያላን ሃገራት፡ ባይታ ምትፍናን ክትከውን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ቅድም ብሕብረት ሶቪየት እትውንን ዝነበረት ወደብ በርበራ፡ ሕጂ’ውን ሩስያ ዘለዋ ተገዳስነት ክውስኾ ይኽእል’ዩ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣንጻር’ተን ካልኦት ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ምስ ኢትዮጵያ መርገጺ ክትሕዝ ከም እትኽእልን እትድግፍን ዳን ይኣምን። ካልኦት ሓይልታት ከም ቱርኪን ኢራንን’ውን ኣብዚ ግጭት ኢደን ክሕውሳ ከም ዝኽእላ’ዩ እቲ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ዝምጕት። እቲ ግጭት ናብ ካልእ ተጋፊሑ፡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እቶም ኣበገስቲ ሓይልታት ክኸውንን በበይኖም ኣካላት ኢዶም ከእትዉሉን ድማ ተኽእሎኡ ርሒብ ምዃኑ’ዩ። ተደማሚሩ ግን እቲ ግጭትን ምትፍናን ብቐሊሉ ከም ዘይዓርፍ ይኣምን።

ኣብዚ ምትፍናን እጀታ ዝህሉዎም ግን ዞባውያን ሓይልታት ጥራይ ኣይክዀኑን’ዮም።

“ፈለማ ቍሩብ ተመሊስና ነገራት ምንጻር ከድልየና’ዩ። እዚ ጉዳይ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘቀራረበን ፈላሚ ነጥቢ መሲሉ ይስመዓኒ። ኤርትራ ንወደብ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ከተካርያ ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ስምምዕ ነይሩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ነቲ ጽርግያ ንምስራሕን ወደባት ንምምሕያሽን ሓገዝ ክህብ ተሰማሚዑ ነይሩ። እንተዀነ ኣብቲ ዞባ ዝምድናታት ቀልጢፉ ስለ ዝቀያየር እቲ ሓሳብ በርዒኑ’ዩ። ስለዚ እቲ ናይ ፈረንሳ ሓገዝ ድማ ምስኡ ዝተዓጽወ ይመስለኒ፡” ይብል ጋዜጠኛ ኮነል።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኣስታት 48 ዓመታት ብቐረባ ዝሰርሐ ዳን ኮነል፡ ቀንዲ ሻቕሎቱ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ኣሰላልፋ ሓይልታት’ዩ። ከም ኣገልግላጻ ዳን እቲ ዞባ ብበይኖም ሓይልታትን ሰብ-ረብሓን ኣብ ቀጻሊ ምስግጋር ኣእዳው’ዩ ጸኒሑን ዘሎን ።

“ኣብዚ ኵሉ ዘየላ ግን ክልል ትግራይ’ያ፡” ይብል ኣብ ቀረባ ግዜ ናብኡ ዝበጽሐ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛን ደራሲን ዳን ኮነል። ድሕሪ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተዓዘቦ ፖለቲካዊ ክትዓትን ዝኻየድ ዘሎ ዘተታት “ርሒብን ኣሳታፊን ፖለቲካዊ መስመር ክኸፍት ዕድል ኣለዎ፡” ይብል። እቲ ዘሎ ትስፉው ሃዋሁ እንተተጨውዩ ግን ትግራይ ክትወጾ ኣብ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ክትሽመም ተኽእሎ ከም ዘለዋ’ዩ ዳን ኮነል ኣብቲ ዘካየዶ ቃለ-መጠየቕ ተዛሪቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG