Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መሕትት ምስ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ህዝባዊ ሓይሊ ኣምሓራ (ፋኖ) ኣብ ህሉው ኩነታት


ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሓ ኲናት ክልል ትግራይ ተኣሳሲሩ ኣብቲ ክልል ግፍዒ ፈፂሞም ተባሂሎም ዝለዓሉ ዕጡቓት ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ፋኖ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣንፃር ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ብረት ኣልዒሎም ይርከቡ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ብረት ዘልዓሉ እዞም ዕጡቓት ፋኖ ዛጊት ሓደ ስሙር ሓይሊ ክምስርቱ ኣይክኣሉን። ብዘመነ ካሴ ዝምራሕ ኣብ ከባቢ ጎጃም ዝንቀሳቐስ ንርእሱ ህዝባዊ ሓይሊ ኣምሓራ(ፋኖ) ኢሉ ናይ ዝፅውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ኣቶ ኣስረስ ማረ ዳምጤ ብዛዕባ ሸቶታት ቓልሶም፣ ብዛዕባ ምዕራብን ደቡብን ክልል ትግራይ፣ምስ ትግራይ ክህልዎም ዝደልዩዎ ርክብ ዝብሉን ካልኦት ጉዳያትን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዞም ዕጡቓት ኣብ ቀረባ ዝበሎን ርእይቶ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ታሪኽ ዝነበረን ፀጋዘኣብ ካሳን እውን ኣካቲትና ኣለና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG