Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜ/ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ዓሪፉ


ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ
ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ መበል 73 ዓመቱ ምዕራፉ ወግዓውያን ምንጭታት ኣመልኪቶም። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሻባይት ብ1969 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ካሪካረ ኣብ ዓመቱ፡ ኣብ 1970 ድማ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ምግዓዙ እቲ ዜና ይሕብር።

ተወላዲ ብሄረ ዓፋር ዝዀነ ሜ/ጀነራል ካሪካረ፡ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት መስረትቲ ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ ኣብ በበይኑ መዝነት ከም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ደንካሊያ ኰይኑ ምግልጋሉ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ይጠቅስ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳትን ምዃኑ ዝተገልጸ ሜ/ር ጀነራል ካሪካረ ንዓርቢ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ሜ/ር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፡ ካብቶም ኣብ 1996 ፈለማ ምውሃብ መዓርግ ብሜጀር ጀነራል ዝተመዘዙ ሸሞንተ ኣዘዝቲ’ዩ። ንሳቶም ድማ ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ገብረዝጋብሄር ዓንደማርያም (ውጩ)፡ ዑመር ጠዊል፡ ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና)፡ ብርሃነ ገብረዝጋብሄር፡ ሮሞዳን ዑስማን ኣውሊያን ዑመር ካሪካረን’ዮም ነይሮም። ካብዚኣቶም ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴን ሜ/ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውሊያይን ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ክርከቡ እንከለዉ፡ ኣብ 2001 ምስ ጕጅለ 15 ዝተኣስረ ሜ/ጀነራል ብርሃነ ገብረዝጋብሄር፣ ኣብ 2013 ዝተኣስረ ሜ/ጀነራል ዑመር ጠዊልን ድሕሪ ማእሰርቶም ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን። ሕጂ ዝደሓረ ካሪካረ ሓዊስካ ድማ ሜ/ ጀነራል ገብረዝጋብሄር (ውጩ)ን ሜ/ር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤልን ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG