Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምቁራጽ ተዂሲ ቓዛ ፍረ ኣብዘይተረኽበሉ ዋጋ ነዳዲ ይውስኽ


ንምቁራጽ ተኹሲ እስራኤልን ሓማስን ዝነበረ ተስፋ ድሕሪ ምጉዳሉ፡ ዋጋ ነዳዲ ክኸብር ጀሚሩ።

ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ነተንያሁ፡ ሰራዊቱ ንራፋሕ ንምውራር ዕለት ምስ ኣቐመጠ፡ እቲ ትማሊ ኣብ ካይሮ ቀጺሉ ዝነበረ ልዝብ ብዘይ ፍረ ምብታኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት እናተናውሐ ኣብ ዝኸደሉ ድማ ካልኦት ግዳማውያን ሓይልታት `ውን ከይስሓባ ስግኣት ኣልዒሉ`ሎ። ብፍላይ ደጋፊት ሓማስን ሳልሳይቲ ዝዓበየት ኣፍራይት ነዳድን ዝኾነት ኢራን ናታ ረብሓ ከም ዘለዋ ይግለጽ።

ዋጋ ነዳዲ ንክውስኽ ካልእ ተደራቢ ምኽንያት ድማ፡ ዘይተጻረየ ነዳዲ ትልእኽ መክሲኮ፡ ንመዓልቲ 330- ሺሕ በራሚል ከተጉድል ምዃና ድሕሪ ምፍላጣ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG