Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ብርቱዕ ዋዒ ልዕሊ 5 ሽሕ ኣብያተ-ትምህርቲ ፊሊፕነስ መደባተን ሰሪዘን


Philippines Weather
Philippines Weather

ኣብ ፊሊፕነስ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ኣዝዩ ብርቱዕ ዋዒ፡ ኣስታት 5,300 ኣብያተ-ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ብኣካል ዝወሃብ ትምህርቲ ክስርዛ ከም ዝተገደዳ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብሰንኩ ድማ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝበጽሑ ተመሃሮ ናብ ክፍሊ ኣይከዱን ውዒሎም።

ካብ ወርሓት መጋቢት ክሳብ ግንቦት ኣዝዮም ውዑያትን ደረቓትን ኣዋርሕ እኳ እንተዀኑ፡ ሎሚ ዓመት ግን ብፍላይ ምስ ምልውዋጥ ክሊማን ወቕዒ ኤሊኒኞንን ከም ዝተጋደደ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቅስ። ሎሚ ዓርቢ ብኣካል ዝወሃብ ትምህርቲ ንኽስረዝ ዘገደደ መጠን ዋዒ ካብ 42-43 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ወይ ድማ ካብ 107 ክሳብ 109 ዲግሪ ፋራንሃይት ሙቖት ድሕሪ ምምዝጋቡ’ዩ።

ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ መዝሓሊን ስለ ዘይብለን፡ ኣብቲ ዝተጸቓቐጠ ክፍልታት ተመሃሮ ነቲ ብርቱዕ ሃሩር ከም ዝቃልዑ ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG