Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ንሳልሳይ ናይ መዝነት ጊዜ  ቃለ-መሓላ ፈጺሙ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ግብጺ፡ ብ89.6% ዝተዓወተ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ሎሚ ሰሉስ ቃለ-ማሕላ ገይሩ። ወዲ-69 ዓመት ናይ ቅድም ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኣልሲሲ ክሳብ 2030 ኣብ መዝነት ክጸንሕ’ዩ።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ስነ-ስርዓት እቲ ቃለ-ማሕላ ኣብታ ሓዳስ ርእሰ-ከተማ ግብጺ ኰይና ዝተመረቐት፡ ካብ ካይሮ ውጽእ ኢላ እትርከብ ከተማ’ዩ ፈጺሙ።

ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ 2013 ንፕረዚደንት መሓመድ ሞርሲ ብህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምእላዩ’ዩ ናብ መዝነት መጺኡ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ምርጫታት እቲ ፕረዚደንት ብ97% ምዕዋቱ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG