Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ናይ ኤርትራ ዑደቱ ወዲኡ፡ ተመሊሱ


ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣቆጻጸራ ሰዓት ኤርትራ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ናብ መቓዲሾ ከም ዝቐንዐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ።

ከም ሓበሬታ ሚኒስተር የማነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሓሰን ሽኽ መሓሙድን ኣብ “ክልተኣዊ፡ ዞባዊ ኣህጉራዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ምዝርራቦም” ሓቢሩ። ዝርዝር ናይቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተዘራረቡሉ ጉዳያት ግን ኣይተጠቕሰን።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ መዘከር ናብ ኣስመራ ክገይሽ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ እዋን’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG