Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝኽሪ ንተስፋልደት መሓረና -- “መዓር እንተዀይኑልካ ክሳብ ዝጽንቀቕ ኣይትልሓሶ” 


 ዝኽሪ ንተስፋልደት መሓረና -- “መዓር እንተዀይኑልካ ክሳብ ዝጽንቀቕ ኣይትልሓሶ”
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:18 0:00

ዝኽሪ ንተስፋልደት መሓረና -- “መዓር እንተዀይኑልካ ክሳብ ዝጽንቀቕ ኣይትልሓሶ”

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓያሎ ማሕበራዊ ገጻት መራኸቢታት ኤርትራውያን ነቲ ብ24 ጥሪ 2024 ኣብ ኣመሪካ ዝዓረፈ መስራቲን ዋና ኣካያዲን ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ዝነበረ ተስፋልደት ኣለም መሓረና’የን ክብሪን ዝኽሪን ክህባ ተራእየን።

ብ19 ሕዳር 1957 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ብ1978 ናብ ኣመሪካ ዝመጽአ ተስፋልደት ወይ ድማ በቲ ልሙድ መጸውዒ ስሙ “ተስ” ብኮምፕዩተር ሳይንስ ኣብ አልካሞኖ ኮለጀን ዩኒቨርስቲ ፊኒክስ ናይ ካሊፎርኒያን ትምህርቱ ምክትታሉ ካብ ስድራቤቱ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ንምዃኑ ማዕረ ክንድዚ ዋሕዚ ምስግናን ኣድናቖትን ን”ተስ” ስለምንታይ’ዩ? ኣብ ምስፋሕን ምብጻሕን ናጽነት ፕረስ ኤርትራ’ኸ እንታይ ግደ ተጻዊቱ?

ኣመሪካዊት መምህር ዩኒቨርስቲን ተመራማራቲ መርበብ መራኸቢታት ኤርትራን ዝዀነት ቪክቶሪያ በርናል፡ ኣብታ “Nation as Network: Diaspora, Cyberspace, and Citizenship” እትብል መጽሓፋ፡ ካብቲ ብፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን ወጻኢ፡ ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታ ብኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምምስራተንን ምውናነን ካብቲ ዝተለምደ ፖለቲካዊ መስመር ወጺአን ካልእ ኵርናዕን ኣተሓሳስባን ከርእያ ምኽኣለን ትምጕት። ኣብዚ ቀዳመይቲ እትጥቀስ፡ መርበብ ሓበሬታ ደሃይ ክትከውን እንከላ፡ ንዓኣ ተኸቲላ ኣብ 1997 ተስፋልደት ዝተመስረተት ኣስማሪኖ፡ ከምኡ’ውን ዓመት ጸኒሓ ብሳልሕ ጋዲ ዝተበገሰት ዓዋተ ካብተን ቀንዲ ዝጥቀሳ’የን። እዘን መርበባት ሓበሬታ እምበኣር’የን ህዝባዊ ርእይቶን በበይኑ ሓሳባትን ኣብ ምኽዕባት ዓቢ ተራ ተጻዊተንን ንደሞክራሲያዊ ስግግር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣበርክቶ ገይረንን።

እታ ከም ማእከል መራኸቢታት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ እተግልግል ዝነበረት ደሃይ ክንድኡ ዝኸደ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ስለ ዘይነበራ ኣዝማሪኖ ከም ፈለማ ናጻ መራኸቢ ወጻኢ ኤርትራውያን ክትጽብጸብ ዘኽእላ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ 1990ታት ክሳብ መፋርቕ 2000ትን፡ ኣብ ኤርትራ ኰይኑ በተን ጨቖቕ ዝብላ መራኸቢ ኢንተርነት፣ ኣብ ወጻኢ ድማ ከከም ግዜኡን ድሌቱን ኣስማሪኖ ካብተን ክልተ መስኮታት ካልእ ኣተሓሳባታትን ኣረዳድኣታትን ዝነበራ’የን። ቅድሚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም በዓል ፋይስቡክ ምምዕባሉ፡ ኣብ ኣስማሪኖ ዝጀመረ መዕለሊ መትግበሪ (ኣስማሪኖ ቻት) ንብዙሓት ክልላዩ፡ ሓሳባቶም ክለዋወጡን ከምኡ ሰጊሮም’ውን ክፋቐሩ ኣኽኢሉ’ዩ።

መስራቲን ዋና ኣካያዲን መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝዀነ ሳልሕ ጋዲ ጆሃር፡ ተስፋልደት ብዙሕ ቴክኒካዊ ሓገዛት ከም ዘበርከተሉን ወትሩ ድማ ኣብ ጎድኑ ምንባሩን ይዛረብ። ንዝመጽአ ሽግራት ብፍሕሽው ገጽ ተቐቢሉ ንነገራት ኣካዊኑ ዝኸይድ ዝነበረ “በዓል ኪዳነይ” ድማ ይብሎ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ መፋርቕ 2001 ብላዕለዎት ሰብ-መዚ እታ ሃገር ነበር ንፖለቲካዊ ክለሳ ምንቅስቓስ ምስ ጀመረ፡ ከም በዓል ኣስማሪኖ ዝኣመሰላ መርበባት ድልድል መራኸቢ ውሽጢን ወጻኢን’የን ነይረን። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ኣብ ኣዝማሪኖ ይሕተማ ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ዝብሃል ዘሎ ምዕባለ ዕለታዊ ዜናን ትርግታ ልቢን ክህባ ኣኽኢለን’የን። ነቲ ኣብ መዝነት መንግስቲ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ንዝነበረ ምብህሃል ክሕወሶ ዘይክኣለ ድማ እተን መርበባት ከም ኣዝማሪኖ ብዝህበኦ ዝነበራ ሸፈነን ክፉት ባይታን መስኮት ኰይነን ኣገልጊለን። በረኸት ደስታ ሌላኦም ምስ ተስፋልደት ካብኡ ከም ዝጅምር’ዩ ዝገልጽ። ሓያሎ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበሩን ገለ’ውን ሕጂ ኣብኡ ዘለዉን ኣብታ መርበብ ብናይ ብርዒ ይጽሕፉን ኣብ መንጎ ድማ በረኸትን ካልእ ብጸይቱን ድልድል ኰይኖም ምንባሮም ይነግር። ተስፋልደት ግን ኣብ ምዕቃብ ምስጢር ኣዝዩ ጥንቁቕ ስለ ዝዀነ ነቶም ተሳተፍቲ መንነቶም ኣብ ምሓዝ ሞያዊ ሓላፍነቱ ምግባሩ በረኸት ይገልጽ።

ዳርጋ ኵላቶም ብቐረባ ዝፈልጡዎ ዝነበሩ ዝምስኩርላ ተስፋልደት ኣብ ካልኦት ዝነበሮ ሓልዮንትን ንጽልኢ ቦታ ዘይህብ ምንባሩን’የን። ኣብቲ ዘይሰማምዓሉ ጉዳያት’ውን እንተዀነ ብምርድዳእን ልዙብ ኣገባብን ግርጭታትን ፍልልያትን ክፈትሕ ዝፍትን ምንባሩ ይዛረቡሉ።

ተስፋልደት ኣብ ውድድር ዘይኰነስ ኣብ ምትሕብባር’ዩ ዝኣምንን ብእኡ ዝምራሕ ነይሩን። ነቲ ዝፈጥሮ ስራሕ ክወዳደሩዎ’ውን ዝኽእሉ ሓያሎ መራኸቢታት ኣብ ምብጋስን ቴክኒካዊ ሓገዛት ኣብ ምሃብን ነጢፉ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ነቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኰይኖም ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኰረ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ዝነበሩ ተመሃሮ ኤርትራውያን ነበር’ዩ። ኣቦ-መንበር “ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን” ዝነበረ ሳሙኤል ቢዘን፡ ነታ መለለዪትን መራኸቢትን እቲ ምንቅስቓስ ዝነበረት ረድዮ ድምጺ መሰል ደሊና፡ ተስፋልደት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መጺኡ፡ ኵሉ ንብረት ተኺሉን ዘድሊ ስልጠና ሂቡን ከም ዝጀመሮም ይነግር። እዚ ኩሉ ብናይ ውልቁ ወጻኢታትን ካብ ጁባኡን’ዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ መራኸቢታት ኣብ ምስፋሕ ዝግበሮ ዝነበረ ስራሕ ድማ ካብ ካልእ ኣታዊታቱ እናውጽአ ዝኸፍሎ እምበር መኽሰብ ዝገብር ኣይነበረን። ነቲ ዝኣመነሉ ቃልሲ ንናጽነት ሓሳባት ምግላጽ ከኣ ብዝተፈላለየ መልክዕ መስዋእቲ ከም ዝኸፈለ ናይ ቀረባ ፈላጢኡ በረኸት ደስታ ይገልጾ። ኣብ ደገ ኴንካ ብግዜ፡ ገንዘብን ጉልበትን መስዋእቲ ከም ዝኽፈል ብቐረባ ንፈለማ ዘርኣዮ ተስፋልደት ምንባሩ’ዩ በረኸት ይነግር።

እቲ ኵሉንትናዊ መስዋእቲ ዝኸፈለ ተስ እምበኣር፡ ተደራራቢ ሞት ኣባላት ስድራቤቱን ሕማምን ተወሲኹዎ፡ ኣብ መበል 66 ዓመቱ ዝሓለፈ ሰሙን ካብዛ ዓለም ሓሊፉ'ሎ። ነቲ ኵሉ ትዕግስቲ፡ ምጽዋርን ሓልዮትን ሒዙ ድማ ተፋንዩ። ናይ ነዊሕ ዓመታት ፈለጢኡን ዓርኩን ሳልሕ ጋዲ፡ ብናይ ዓረብ ምስላ ብምዝኽኻር፡ “መዓር እንተዀይኑልካ ክሳብ ዝጽንቀቕ ኣይትልሓሶ፡” ይብል ንተስፋልደት ክሳብ መወዳእታ ኵሉ ሰብ ከም ዝተጠቕመሉን ኣብቲ እዋን ሕማሙ ድማ ማዕረ'ቲ ዝግበኦ ደሃይ ምግባርን ከም ዘይነበረ ከነጻጽር እንከሎ።

ሽሕ እኳ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ብሰንኪ ዝነበሮ ጸገም ጥዕና፡ ካብ ብዙሕ ንጥፈታት ዝሕጥ ኢሉ እንተ ጸንሐ፡ ምብኳር ናይ ተስፋልደት ዝፈጥሮ ሃጓፍ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ምግላጽ ሓሳባትን ትንሳኤ ናጽነት ፕረስ ኤርትራን ዝተጻወቶ ልሉይ ግደ ግን ወትሩ ተዘኪሩ ዝነብር’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG