Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ሩዋንዳ ተዘኪሩ


መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ሩዋንዳ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋና ከተማ ሩዋንጋ ኪጋሊ ተዘኪሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም ኔሮም።

መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኮንጎ፣ ኢትዮጵያ፣ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪቃን ታንዛኒያ ከምኡ እውን ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛቅ ሄርዞግ ዝርከቡዎም ናይ ወፃኢ በፃሕቲ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተሳቲፎም።

ናይ ኣመሪካን ፈረንሳን ፕረዚደንታት ነበር ቢል ክልንቴንን ኒኮላስ ሳርኮዚን እውን ተረኺቦም ኔሮም።

ፕረዚደንት ካጋሜ ኣብቲ ሬሳ 250,000 ግዳያት ህልቂት ሩዋንዳ ዝተነብርሉ ናይ ዝኽሪ ቦታ ሽግ ብምውላዕ ዕምባባ ኣንቢሮም።

እቲ ቕትለት ዝተጀመረ ኣብቲ እዋን ተወላዲ ዓሌት ሁቱ ዝኾነ ፕረዚደንት ነበር ጁቨናል ሃብያሪማና ዝፀዓነት ነፋሪት ተወቒዓ ምስ ወደቐት እዩ ነይሩ።

እታ ነፋሪት ወቒዖም ነቶም ፕረዚደንት ዝቐተሉዎም ቱትሲ እዮም ይበሃሉ።

ነዚ ስዒቡ ቱትሲ ልዕሊ 100 መዓልታት ዕላማታት ኣኽረርቲ ሁቱ ብምዃን ተጨፍጪፎም። ንቱትሲ ክከላኸሉ ዝፈተኑ ሁቱ እውን ተቐቲሎም እዮም።

ኣብቲ ፍጻመ ድማ ኣስታት 800,000 ሰባት ተቐቲሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG