Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን -- ተደመሮ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ


መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን -- ተደመሮ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:10 0:00

መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን -- ተደመሮ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ናይ 2024 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ውልቃዊ ተመኵሮ ተሳተፍቲ ቃልሲ ንሓርነት፡ ዓባይ ተደሞሮ’ያ። እዛ “Eritrea’s hard-won independence and unmet expectations: From the perspective of a veteran freedom fighter” (“ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትን ዘይተመለሰ ትጽቢታትን፤ ጠመተ ብኣዒንቲ ተጋዳላይ ነበር”) ዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመት መጽሓፍ ልዕሊ 400 ገጻት ዝዝርጋሕ ትሕዝቶ ኣለዋ። ኣብኡ ድማ ውልቃዊ ተመኵሮን ተዘክሮን ደራሲ ኣብ ቃልሲ፣ ናይ ኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ጻንሖቱ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻኡ ብዝረኸቦ ተመኵሮታት ዝጥምት ትንታነ፣ ከምኡ’ውን ደራሲ ቅድሚ ሕጂ ብናይ ብርዒ ኣስማት ዝጽሕፎም ዝነበሩ ዓንቀጻት ተጠቓሊሎም ይርከቡ።

ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየን ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ኣቋሪጹ ኣብ ፈለማ 1974 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈን ሰመረ ሰሎሞን፡ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ደቃ ንቓልሲ ንናጽነት ዝሃበት ስድራ ቤት ኣቶ ሰሎሞን ኣባይን ወ/ሮ ማዳሊና ዮሴፍን’ዩ። ክልተ ካብቶም ንቓልሲ ዝወፈሩ ኣይተመልሱን። ካብቶም ብህይወት ዝኣተዉ ሰለስተ ኣሕዋት፡ መሓሪ ሰሎሞን ብ2014 ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረበን፡ ገና ደሃዩ’ውን የሎን።

ሰመረ ሰሎሞን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክሳብ ኮሚሳር ብርጌድ፣ ቀጺሉ ኣብ ክፍሊ ምንቕቓሕ ምድላው መጽሔት ሓርበኛ፣ ቅድሚ ናጽነት ድማ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ሰሪሑ። ካብ ፈለማ ዕለተ ናጽነት ኤርትራ 1991 ጀሚሩ ክሳብ 1998 ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ክፍሊ ውጠናን ልምዓትን ኰይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ 1998 ካብ`ታ ሃገር ብምውጻእ፡ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ በበይኑ ሃገራት፡ ምስ ዝተፈለለየ ኣሃዱታት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ብምዃን ድማ ክሳብ ሕጂ ይሰርሕ ኣሎ።

መቓልስቱን ናይ ስደት ብጸይቱን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣምባሳደር ኤርትራ ዝነበረት ሕብረት በርሀ ነዛ መጽሓፍ ኣመልኪታ፡ “ካብ ሓደ ትስፉው ጕዕዞ ብኸመይን ስለምንታይን ናብዚ ዘለዎ ዕጹው መንገዲ በጺሑ ብግቡእ እተርኢ መጽሓፍ” ክትብል ገሊጻታ ኣላ።

ብተመሳሳሊ ጸሓፊ ዳዊት መስፍን ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዘስፈሮ ገምጋም’ታ መጽሓፍ፡ “ደራሲ ኣካልን መሪሕ ተጻዋታይ በበይኑ መድረኻት ኤርትራ ከም ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኣባል ሲቪል ሰራሕተኛታትን ድሒሩ ድማ ኣብ ዓለምለኸ ትካላት ልምዓት ሰፊሕ ተመኵሮ ዝደለበ ስለ ዝዀነ ነዛ መጽሓፍ ጸብልለታ ይህባ፡” ክብል ኣስፊሩ ኣሎ።

ሰመረ ሰሎሞን፡ ከም ዕጫ ሓያሎ ካብ ዩኒቨርስቲ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ተነጽሎ ምስቲ ብ”መንካዕ” ዝብል ዝፍለጥ ምንስቓስ ተጋደልቲ 1973፣ ኣድልዎ ኣብታ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት ሕብእቲ ሰልፊ፣ ኣብ 1998’ውን ምድስካል ካብ ንጡፍ ስራሓት ሓሊፉ’ዩ።

ነዛ መጽሓፍ ከሕትማ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾኖ፡ ድምር ውጽኢት ደሓር ዝረኸቦ ተመኵሮን ንነዊሕ እዋን ሒዙዎ ዝጸንሐ ታሪኽ ንምክፋልን ምዃኑ ሰመረ ይሕብር።

ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን ካብ ኤርትራ ኣብ 1998 ደኣ ይውጻእ እምበር፡ ብዝነበሮ ተዛማዲ ዕድላትን ናጽነት ምጽሓፍን፡ እሞ ድማ ምስ ሃብታም ተመኵሮኡ ግዜ ከም ዝወሰደ ገለ ኣንበበቲ ሓሳባቶም የካፍሉ። እታ መጽሓፍ ስለምንታይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክትወጽእ ተደልያ’ውን ሰመረ መልሱ ኣካፊሉ ኣሎ።

ሰመረ ሰሎሞን ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኣባል ምስንዳእ ቦርድ’ታ ሓጺር ዕምሪ ዝነበራ መጽሔት ሓርበኛ’ውን’ዩ ነይሩ። ኣብቲ መጽሓፍ ኣስፊሩዎ ከም ዘሎ፡ እቲ ብዋና ኣሰናዳኢ ኣሕመድ ኣል-ቐይሲ እትምራሕ ዝነበረት መጽሔት ሓርበኛ ንኣለሰምገሰድ ተስፋይ፡ ሰመረ ሰሎሞን፡ ዘምህረት ዮሃንስ፡ ኪዳነ ሰሎሞንን መሓመድ ጭሩምን ዝሓቘፈት’ያ ነይራ።

እዛ ኣብ ውሽጢ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ክፉት፡ ኣሳታፊን ናጻን መበሃሃሊ መድረኻት ንምምስራት ዓሊማ ዝነቐለት መጽሔት፡ ኣብ ተጋደልቲ ቅልጡፍ ተቐባልነትን ኣብቲ ውድብ ቅድሚ ሕጂ ከም ነውሪ ዝሕሰቡ ኣርእስታት ከተልዕልን ምጅማራ ይሕብር።

ኣብቲ ሓጺር ጻንሖታ እቶም እተንእግዶም ዝነበረት ኣርእስታትን መጻኢ ኣንፈት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራን ንላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ ከም ዘይመችኦ ሰመረ ኣብ መጽሓፉ ይትርኽ። ስለዚ ከኣ’ዩ ክትቋረጽን ኣባላታ ድማ ናብ ካልኦት ክፍልታት ክመደቡን ተገይሩ ይብል። ናይ መጨረሽታ ድፍኢት ምቍራጽ እታ መጽሔት ኣመልኪቱ፡ ደራሲ ሰመረ’ውን ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ'ሎ።

መዘከር መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን Eritrea’s hard-won independence and unmet expectations፡ ነቲ ብነበራት ተጋደልቲ ናጽነት ኤርትራ ሳሕቲ ዝስነድ ውልቃዊ ተመኵሮ፡ እሞ ድማ ነቲ ወሰንቲ መድረኻት ቃልሲ ብናይ ቀረባ ተሳታፊ ዝዀነ ምጽሓፋ ፍሉይ ቦታ የውህባ። እንተዀነ፡ ነቶም ካብ ውልቃዊ መዘክር ወጺኦም ኣብ መምዘኒታት ዓለማዊ መለክዒን ካልእ ሓሳባትን ዘካፍሉ ትንታናዊ ምዕራፋትን ናይ ቅድም ዓንቀጻት ደራሲን፡ ነቲ ኣብዚ መዳይ ተገዲሱ ክፈልጥ ዝሃርፍ ኣንባቢ ይጫረቶ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG