Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ፕረዚደንት ሴነጋል ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ


ቃለ መሓላ ሓድሽ ዝተመረጸ ፕረዚደንት ሴኔጋል
ቃለ መሓላ ሓድሽ ዝተመረጸ ፕረዚደንት ሴኔጋል

ክልተ ሰሙን ቅድሚ ምርጫ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ብምውድዳር ንሴነጋል ክመርሕ ዝተዓወተ ባሲሩ ዲዮመይ ፋይ ትማሊ ሰሉስ ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።

ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ዝሰርሕ ዝነበረ ፋይ፡ ምስቲ ብብዙሕ ክሲ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐን ካብ ምውድዳር ዝተኸልከለን ህቡብ መራሒ ተቓዋሚ ኦስማን ሶንኮ’ዩ ምሕረት ተገይሩሉ ወጺኡ።

ወዲ 44 ዓመት ፋይ፡ ብልሽውና ክምሑ ምዃኑ’ዩ ኣብቲ ሓጺር እዋን ጎስጓስ ምርጫ ኣመልኪቱ።

ምምራጽ ናይዚ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ስም ዘይጸንሖ ፋይ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ንዘሎ ከቢድ ተስፋ ምቝራጽ መንእሰያትን ትጽቢት ንሓድሽ መሪሕነትን ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ፕረዚደንት ፋይ ኣብ ናይ ፈለማ መደረኡ ብልሽውና ከጥፍእን ቍጠባ እታ ሃገር ንምዕራይ ክሰርሕን ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG