Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም መመርመሪ ሕማም ሸሮኽ የባጽሕ


ፋይል
ፋይል

ሕማም ሸሮኽ ኣብ በበይነን ሃገራት ብብዝሒ እናተራእየ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ዛጊት እቲ ዝዓበየ ዝበሎ መመርመሪ መሳርሒ ሸሮኽ ምዝርጋሕ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። እዚ መሳርሒ ናብ 14 ሃገራት ተባጺሑ ነቲ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ለብዒ ሸሮኽ ኣብ ምዕጋት ኣበርክቶ ክህሉዎ ዓቢ ተስፋ ከም ዝግበሮ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ኣብቲ ብዓርቢ ዝጀመረ ናይ ምብጻሕ ፕሮግራም፡ ማላዊ ካብተን ቀዳሞት ተቐበልቲ እዚ መመርመሪ ሕማም ሸሮኽ ኰይና ምህላዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ 1.2 ሚልዮን መመርመሪ መሳርሒ ኣብ 14 ብሕማም ሸሮኽ ኣዝየን ዝጥቃዓ ሃገራት ክባጻሕ’ዩ። ካብ መንጎአን ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ሶሪያን ዛምቢያን ይርከበአን።

እቲ መመርመሪ መሳርሒ ናይ ምብጻሕ መደብ ኣብቲ መዳይ ምስ ዝነጠፍ ትካል ጋቪ ብምትሕብባር ክሳለጥ’ዩ። እቲ መሳርሒ ድማ ነተን ሃገራት ቅልጡፍ መርመራታት ብምክያድ እቲ ሕማም ሸሮኽ ቅድሚ ምግፋሑ፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንምውሳድ ከኽእለን ትጽቢት ከም ዝግበሮ ኣብ ትካል ጋቪ ሓላፊት ፕሮግራም ዝዀነት ኣውረሊያ ንጉየን ትሕብር፡ ንሳ ወሲኻ “ኣብዚ ዓመት መጠኑ ዝሓለፈ ሰፋሕቲ ተርእዮታት ሕማም ሸሮኽ ኣጋጢሞም። ምዝርጋሕ እዚ መመርመሪ መሳርሒታት ድማ ነቲ ሕማም ኣብ ምቍጽጻር ዓቢ ኣበርክቶ ክግበር ንትስፎ፡” ኢላ።

ሸሮኽ ብባክተሪያ ዝመሓለልፍ ሕማም ኰይኑ፡ ብዝተበከለ መግቢ፡ ማይን ክመሓላለፍ ይኽእል። እዚ ኣብ ቆልዑ ከቢድ ጸገም ከም ዘስዕብ ዝንገሮ ሕማም ንተምላስን ውጽኣትን ዘቃልዕ’ዩ።

ሕማም ሸሮኽ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ’ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ይጠቅስ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-2023 ኣስታት 700-ሽሕ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ምምዝጋቦም መዛግብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብሩ። እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ዝዛይድ’ዩ።

መመርመሪ መሳርሒታት ሸሮኽ፡ እቲ ሕማም ብጻዕቂ ኣብ ዝርኣየሉ ቦታታት ኣለሊኻ፡ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ኣብ ምውሃብ ዓቢ ኣበርክቶ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ትካል ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ኣመልኪቱ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG