Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ውድድር መላእ-ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ብብሽክለታ ትመርሕ


ኣብ ጋና ዝቃናዕ ዘሎ ውድድራት መላእ ኣፍሪቃዊ እዚ ዓመት ካልኣይ ሰሙኑ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን፡ ኣብ 29 ዓይነታት ስፖርታዊ ውድድራት፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ኣትለታት ይሳተፉ ኣለዉ። ዛጊት ተኻዪዶም ብዘለዉ ውድድራት ብ156 መዳልያታት ግብጺ ትመርሕ ኣላ። ካብዚ እቲ 91 ወርቂ መዳልታት ምዃኖም’ዩ። 27 ወርቂ መዳልያ፡ ብድምሩ ድማ 78 መዳልያታት ዝኣከበት ናይጀሪያ ትስዕብ፡ ብ25 ወርቂን 92 ጠቕላላ መዳልያታትን ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ኣላ።

ዛጊት ተኻዪዶም ብዘለዉ ውድድራት ብ6 ወርቂ መዳልያ፡ 2 ብሩርን 5 ነሓስን ኤርትራ ኣብ ሻሙናይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቲ ዓበይቲ ዓወታት እትሓፍሰሉ ዘላ ብቕድድም ብሽክለታ’ዩ። ንሰሌዳ ቅድድም ብሽክለታ’ውን ብ13 ነጥቢ ትመርሖ ኣላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ12 ነጥቢ ትስዕብ፡ 9 ነጥቢ ኣዋህሊላ ዘላ ማውሪሸስ ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG