Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ- ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ 284 ሰራሕተኛታት ተለቒቖም


ብዕጡቓት ፋኖ ብ26 ለካቲት ተታሒዞም ዝጸንሑ 284 ሰራሕተኛታት ትካል ህንጻ ኒኮቲካ ሎሚ ናጻ ከም ዝተለቐቑ ዋና ኣካይዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ ደሳለኛ ኣበበ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ምብራቕ ጎጃም ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት፡ ንምውጻኦም እቲ ትካል ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ከም ዝኸፈለ ኣፍሊጡ'ሎ።

ከም ሓበሬታ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ህንጻ፡ እቶም ናጻ ዝተለቐቑ ሰራሕተኛታት ቅድሚ ንቦታኦም ምምላሶም ንኣዲስ ኣበባ ቀኒዖም ኣለዉ።

ምትሓዝ እዞም 284 ሰራሕተኛታት ንነዊሕ ከዘራርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ጅሆ ዝሓዞም ጕጅለ ፋኖ ኣባላት ሰራዊት ምዃኖም’ዩ ክምጉት ጸኒሑ። ኣብ ታዕሊምን ካልእ ጉልበታዊ ስራሕን ይሳተፉ ምህላዎም ንቤተሰቦም ክሕብሩ ዝጸንሑ እቶም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ እቲ ዝቖጸሮም ትካልን እቲ ዝሓዞም ዕጡቕ ጉጅለን ብዝተገብረ ምርድዳእን ምኽፋልን ገንዘብን’ዮም ክወጽኡ ክኢሎም ይብል ነቲ ጉዳይ ካብ ፈለማኡ ክከታተል ዝጸንሐ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሃዋሳ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG