Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሪጣንያ ንዝመደበቶን ባይቶ ዝደገፎን ምግዓዝ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ይነቕፉ


ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሪጣንያ ንዝመደበቶን ባይቶ ዝደገፎን ምግዓዝ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ይነቕፉ

ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ፥ ኣብ ውሽጢ 10 ወይ 12 ሰሙናት ናብ ርዋንዳ ክልእኾም ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።

ፓርላማ ብሪጣንያ `ውን ነቲ መደቡ ኣጽዲቖምሉ ኣለዉ። ብሸነኽ መንግስቲ ርዋንዳ`ውን ነቶም ስደተኛታት ንምቕባል ድልው ምህላዉ ሓቢሩ`ሎ።

እንተኾነ እቲ ስጉምቲ ካብ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ተሪር ዝኾነ ነቐፌታን ተቓውሞን ገጢምዎ`ሎ።

ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክ ኣብ ሓጺር እዋን ነቶም ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከግዕዞም ምውሳኑ፡ ኣብዚ መወዳእታ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ይጽበዮ ስለዘሎ በቲ ንሱ ዝመርሖ ዓቃባዊ ሰልፊ ድጋፍ ክረኽበሉ ተስፋ ይገብር።

`ሃውስ ኦፍ ሎርድስ​` ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባይቶ ብሪጣንያ ኣብ መጀምርያ ነቲ እማመ ምምሕያሽ ክግበረሉ ሓቲቱ ኔሩ። ድሓር ግን ቀዳማይ ሚንስተር ሱነክ መንግስቱ ነቲ ኣኼባ ክሳብ ሰኑይ ከናውሖ ከም ዝኽእል ምስ ኣጠንቀቐ፡ ከጽድቕዎ ተገዲዶም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ከምኡ`ውን ካብ ማእከላይ ምብራቕን እስያን ዝተሰደዱ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ከም ዝጸንሑ`ዩ ዝግለጽ፡ በቲ `ኢንግሊሽ ቻነል​` ዝብሃል ንፈረንሳን እንግሊዝን ዘራኽብ መስመር ባሕሪ ድማ ይሰግሩ። መብዛሕቲኦም ብዘይ ሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝውደቡ`ዮም።

እንተኾነ ናብ ሃገርካ ዝመጹ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ክንዲ ምርኣይ ናብ ካልእ ሃገር ምጥራዝ፥ "ዘይ-ሰብኣውነት'ዩ" ዝብል ግብረ-መልሲ ኣስዒቡ`ሎ። ሓደ ካብቲ ዝሃብዎ ምኽንያት ድማ ንባዕላ ርዋንዳ ኣብ መዝገብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዘላ ስለዝኾነት እቶም ስደተኛታት ናብተን ዝመጽወን ሃገራት ዳግም ተጠሪዞም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ይኽእሉ`ዮም ዝብል`ዩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ኮነ ቤት ዩኽሪ ኣውሮጳ ፡ ብሪጣንያ እቲ ትገብሮ ዘላ ስጉምቲ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስን ንዓለምለኸ ቕልውላው ኢምግረሽን ኣብ ምፍታሕ ንዝግበር ዓለምለኻዊ ምትሕብባር`ውን ዝጎድእን ስለዝኾነ ብሪጣንያ ነቲ ናይ ምጥራዝ መደባ ክተቋርጾ ጸዊዖም ኣለዉ።

ላዕላዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንደ "እዚ ሓዲሽ ሕጊ፡ ብሪጣንያ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓ ንስደተኛታት ናይ ምሕጋዝ ልምዳ ዘበላሹን ንውዕል ስደተኛታት ንጥሕስን`ዩ" ኢሉ። ግራንደ ብምስዓብ "ንስደተኛታት ምሕላው ነተን ኣብቲ ቅልውላው ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኩለን ሃገራት ዝምልከት`ዩ"ኢሉ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚካኤል ኦ`ፍላሀርቲ ብወገኑ፡ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ቤት ፍርዲ መሰል'ኳ ከይተዋህቦም ናብተን ዝሃደሙለን ሃገራት ዳግም ክጥረዙ ምግባር ቅኑዕ ኣይኮነን ክብል ነቒፍዎ`ሎ። ንሱ ብምስዓብ "መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ካብ ምጥራዝ ክቑጠብን ነቲ ኣውጺእዎ ዘሎ መምርሒ ክቕይሮን ይግባእ፡ምኽንያቱ ንናጽነት መስርሕ ኣብያተ ፍርዲ ዝጥሕስ`ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ዝብሎ ዘሎ ድማ፡ እቲ ናይ ምጥራዝ መደብ ንዋሕዚ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ጠጠው ኣብ ምባል ክሕግዝ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ እንግሊዝ ንምእታው ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ `ውን ከጉድሎ ይኽእል `ዩ ዝብል`ዩ።

ብኻልእ ወገን ብናእሽቱ ጃላቡ ጌርካ ናብ ብሪጣንያ ምስጋር ከም ፖለቲካዊ ጉዳይ`ውን ይርኣይ`ዩ። እቲ መንግስቲ ንኢምግረሽን ክቆጻጸር ኣይክኣለን ተባሂሉ ከም ፖለቲካዊ ፍሽለት`ውን ይውሰድ። ቀዳማይ ሚንስተር ሱነክ ድማ ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ ዓቢይ ጎስጓስ ክገብረሉ ዝጸንሐ`ዩ።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ብእንግሊዝ ቻነል ዝሰግሩን ዘሳግሩን ተሪር ቁጽጽር ክወስድ ምስ ጀመረ ድማ እቲ ቁጽሪ ዳርጋ ብፍርቂ ከም ዝጎደለ`ዩ ዝግለጽ። ካብ ኣስታት 47- ሺሕ ንዓመት፡ ናብ 29-ሺሕ ጎዲሉ ይብሃል።

ሕጂ እቶም ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ዑቕባ ክሓቱ ይኽእሉ`ዮም፡ ግን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለሱ ኣይፍቀደሎምን።

መንግስቲ ርዋንዳ ነቲ ብብሪጣንያ ዝወጸ መደብ ምጥራዝ ተቐቢልዎ`ዩ፡ ድሕሪ`ቲ ቅድሚ 30-ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ኣብ ርዋንዳ ሰላምን ውሕስነትን ክነግስ ንእንገብሮ ስራሕ ዘራጋግጽ ክብል `ውን ይዛረብ።

ወሃቢ ቓል መንግስቲ ርዋንዳ፡ብዛዕባ`ቶም ሕጂ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ 10 ወይ 12 ሰሙናት ናብ ርዋንዳ ክጥርዞም የ ዝብሎም ዘሎ ስደተኛታት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ምስ ብሪጣንያ ንኢምግረሽንን ቁጠባዊ ልምዓት ዝምልከትን ሽርክነትና ንምሕያል ድልዋት ኣለና፡ ነቶም ስደተኛታት ድማ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበሎም ኢና" ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG